dimanche 28 novembre 2021

መጻሕፍቲ ናይ ህጻናት ማማ ፊደል ናብ ዝደለኩሞ ሃገር ንልእክ።

      መጻሕፍቲ ናይ ህጻናት  1ይን 2ይን  ክፋላት  ማማ ፊደል




                                






    ምዕራፍ ሓደ መውስቦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት

 ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክግበር ዝጸንሐ መግለጺ ስልጣነ ደቂ ሰባት ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ-ክርስትያና መውስቦ ሓደ ካብተን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ ብምስጢረ ተክሊል ይፍለጥ። ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ልዕሊ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ስለ ዝኾነ ብጸጋ ክንቅበሎ እምበር ብኣእምሮና ክንበጸሖ ስለ ዘይንኽእል ኢዩ። ኣምላኽና ኣብ ወንጌል ከም’ዚ ይብል “ስለዚ ሰብኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኹኑ…..ደጊም ሓደ ኣካል ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ”(ማቴ 19፦5-6)። ብርግጽ ሓድነት እቶም ክልተ ኢዩ እቲ ምስጢር። ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን “እዚ ምስጢር ዓቢይ ኢዩ ”(ኤፌ 5፦32 )ክብል ዕብየት መውስቦ ይገልጽ። ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመርያ ተኣምራቱ፡ ኣብ’ቲ አብ ቃና ዝተባህለ ዓዲ ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዝፍጸም ዝነበረ መርዓ ኢዩ ፈጺምዎ። ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይርዎ። ብርግጽ እዚ ነገር እዚ ንዓና ምስጢር ኢዩ ዝነበረ። ኣምላኽና ግና ዕቤት እቲ መውስቦ ንኽገለጸልና ኣብኡ ተረኺቡ ባረኾ። ኣብ መዋእለ ስብከቱ’ውን ንመጀመርያ ኣብኡ ብዛዕባ መውስቦ ከም ዝመሃረ ኣቦታት ብትውፊት የረድኡ። መውስቦ ብፍጹም ፍቕርን ሓድነትን ትነብሮ ህይወት ኢዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ይምዕደና “ኣትን ኣንስቲ ፡ ከም ጎይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዘኦም፡ ከመይ ከምቲ ጎይታ ርእሲ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ ኢዩ።ከምኡ ከኣ ኣቱም ሰብኡት፡ ነተን ኣንስትኹም፡ ከም ገዛእ ርእስኹም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፡ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘፍቅር። ”(ኤፌ 5፦22-23፤28) ክብል ሓድነትን ፍቕርን ሰብ ሓዳር ልክዕ ብቤተ-ክርስትያንን ክርስቶስን መሲሉ ንዝያዳ ሓላፍነትን መንፈሳውነትን መውስቦ ብትሪ ይገልጾ። (ኤፌ 5፦32-33)እምበር ሎሚ ካብዘን አብ ላዕሊ ዝገለጽናየን አስፊሕናን ዘርዚርናን መዉስቦ ሓዳር ብኸመይን እንታይ ይመስል አብዚ ዘለናዮ ዘመንን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክንርኢ፣፣ 

  ጥቕሚ መርዓ ጥቕሚ መርዓ ብዙሕ ዋላዃ እንተኾነ እቶም ዓበይቲ ዕላማታት መርዓ ግና ነዚ ይመስሉ፣፣ 1ይ ዘርኢ ንምትካእ 2ይ ንምድግጋፍ 3ይ ካብ ዝሙት ንምድሓን 1ይ ዘርኢ ንምትካእ፣- ትዉልዲ ይሓልፍ ትዉልዲ ይትካእ፣ ካብ ዝተወሰነሉ ዕድመ ዉሱን ኣይሓልፍን ። ኣረጊት ይሓልፍ ሓዲሽ ይትካእ። እዚ ኣካይዳ እዚ ቀጻልነት ህይወት ክህልዎ ዘርኢ ምትካእ የድሊ። ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዉን "ብዝሑ ተባዝሑ ንምድሪ ምልእዋ" ዝበለ ዘርኢ ንምትካእ ከም ዝግባእ ንምግንዛብ እዩ። ዘፍ 1፥28 ግና ዘርኢ ምትካእ እንተ ተባህለ ካብ ሕጊ እግዚኣብሄር ወጻኢ ብምዕንዳር ኣይኮነን። ሰብ ክቡር ፍጡር ብሙዃኑ ብስርዓት ምእንቲ ክምራሕ ሕጊ ተዋሂብዎ እዩ። እዚ ዘርኢ ንምትካእ ስርዓት ቅዱስ መርዓ`ዩ። ፍረዩ ክበሃል ከሎ ግን ውሉድ ምዉላት ጥራይ ዘይኮነ ዓይነት ዉሉድ ዉን ኣብ ግምት ምእታዉ የድሊ እዩ። ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ንወለዶም ዘየኽብሩ፡ ፍቕሪ ሃይማኖቶምን ፍቕሪ ሕዝቦምን ሃገሮምን ዘይብሎም ዉሉድ ዘይምዉላድ ተመራጽን ግቡእን ምዃኑ ካብ ናይ ጸሎት ዝሓለፉ ቅዱሳን ንርዳእ። ንኣብነት:- ቅድስት ሃና ኣደ ሳሚኤል ነቢይ 1ይ ሳሙ 1፥11 እግዚእሃርያ ኣደ ቅዱስ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ፡ኣቅለስያ ኣደ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ወዘተ፣፣ ቅዱሳት ዉላድ ክትወልዱ እንተ ኴንኩም ተጻመድቲ ንቃልኪዳንኩም ብቅዱስ ቁርባን ከተጽንዕዎን ቅድሚ ብግብረ ስጋ ምፍላጥኩም ናብ ኣምላኽ ኽትልምኑን ይግባእ። ጦቢት 6፥17 "ብግብረ ስጋ ምስኣ ቅድሚ ምርኻብካ ግና እቲ ሰመያዊ ኣምላኽ ብዓይኒ ምሕረት ክጥምተኩምን ክሕልወኩምን ክልቴኩም ደው ኢልኩም ጸልዩ" ጦቢት 8፥4-9 1'ዉሉድ ርጉም እንተኾነ ንርእሱ ጠፊኡ ወለዱ ይልክም 1ይ ሳሙ 2፥12 ደቂ ኤሊ ኩፉኣት ነበሩ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኦም ኣይነበረን። 1ይ ሳሙ 3፥11-14 2'ኤሳዉ ብዘእተወን ኣንስቲ ይስሃቕን ርብቃን ይሓዝኑ ነበሩ። ዘፍ 26፥35 ስለዚ ከምዚኣቶም ዝመስሉ ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ዉላድ ንከይትወልድ ጸሎት የድሊ።